Skip to main content
Open search panel
  Visit our COVID-19 page for the latest updates, vaccine information, testing locations and data dashboard.

ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ WA Notify

ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ/ሓበሬታ ካብ Washington State Department of Health (DOH, ክፍሊ ጥዕና ክፍለ ሃገር ዋሽንግተን) በጺሑካዶ፧

ክልተ ዓይነት ናይ ጽሑፍ መልኽታት ክልኣኹልካ ይኽእሉ። እቶም ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ዘመዝግቡ፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምስኡ ድማ መላግቦ (ሊንክ) ዘለዎ ክበጽሖም ኢዩ ከምኡ’ውን/ወይ ብላዕሊ ዝመጽእ (ፖፕ ኣፕ ዝገብር) ሓበሬታ ክመጾም ኢዩ። ተጠቀምቲ WA Notify (ሓበሬታ ዋሽንግተን) ተቓሊዖም ዝነበሩ ክኾኑ ዝኽእሉ ናይ ምቅላዕ ሓበሬታ ክልኣኾም ኢዩ።

DOH ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ’ውን/ወይ ብላዕሊ ዝመጽእ (ፖፕ ኣፕ ዝገብር) ሓበሬታ ይልእኽ ናብ ቁጽርታት ቴሌፎን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕላ በቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19።

እንድሕር ተጠቃሚ WA Notify ኮይንካ፡ ኣብቲ ሓበሬታ ምጥዋቕ ጥራይ ኢዩ ዘድልየካ ወይ ነቲ ኣብቲ ናይ መልእኽቲ ጽሑፍ ዘሎ መላግቦ (ሊንክ) ክትጥውቕ ጥራይ ኢዩ ዘለካ ከምኡ’ውን ነቶም ስጉምታት ክትክተሎም ኣብ WA Notify መታን መንነትካ ብዘይ ምቅላዕ ንካልኦት ተጠቀምቲ ብዛዕባ ተኽእሎ ተቓልዖኦም ክትሕብሮም።

እንድሕር ተጠቃሚ WA Notify ዘይኮንካ፡ ነዚ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣይትገደሰሉ።

እንድሕር ዝያዳ ክትመሃር ደሊኻ ብዛዕባ WA Notify፡ ናብ ተሌፎንካ ብኸመይ ከምትጽዕኖ እውን ዘጠቓልል፡ ብጻሕ ናብ WANotify.org

እቶም ናይ ጽሑፍ መልእኽታትን ሓበሬታታትን እንታይ ይመስሉ፧

ሓበሬታ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19

ምስሊ ናይ ጽሑፍ መልእክትን ሓበሬታን

pop up notification screenshot

ትሕዝቶ ሓበሬታን ናይ መልእኽቲ ጽሑፍን

Share Your COVID-19 Diagnosis

ኣብዚ ጽቐጡ መታን መንነትኩም ከይተፈለጠ ንካልኦት ክትሕብሩ ናብ ኮቪድ-19 ተቓሊዖም ከምዘለዉ። ነቶም ንማሕበረሰብኩም ውሑስ ዝገብሩ ስጉምታት ተኸተሉ። ውልቃዊ ሓበሬታኹም ኣይክካፈልን ኢዩ።

ምስሊ ናይ ጽሑፍ መልእክትን ሓበሬታን

text message screenshot

ትሕዝቶ ሓበሬታን ናይ መልእኽቲ ጽሑፍን

Message from (Mensaje del) WA Dept. of Health:

This number was given for a recent COVID-19 test. If this phone uses WANotify AND belongs to the person tested, please click the link within 24 hours. Follow the steps to anonymously alert others who may have been exposed.

https://us-wa.en.expressly/v?c=8w5io5c38ipo24fc

Se dio este numéro para una prueba reciente de COVID-19. Si este teléfono usa WANotify Y es de quien se hizo la prueba, haga clic en el enlace en las próximas 24 horas. Siga los pasos para alertar anónimamente a quienes tal vez hayan sido expuestos.

NOT the person tested? Need more information? Visit wanotify.org/text

¿NO es quien se hizo la prueba? ¿Desea más información? Visite notificawa.org/texto

ምስሊ ናይ ጽሑፍ መልእክትን ሓበሬታን

text message screenshot

ትሕዝቶ ሓበሬታን ናይ መልእኽቲ ጽሑፍን

Message from WA Dept. of Health:

If this phone uses WANotify AND belongs to the person tested, please click the link within 24 hours. Follow the steps to anonymously alert others who may have been exposed.

https://us-wa.en.expressly/v?c=5b56h13n80q9onll 

NOT the person tested? Need more information? Visit wanotify.org/text.

ምስሊ ናይ ጽሑፍ መልእክትን ሓበሬታን

text message screenshot

ትሕዝቶ ሓበሬታን ናይ መልእኽቲ ጽሑፍን

Mensaje del Departamento de Salud del Estado de Washington:

Si este teléfono usa WANotify Y es de quien se hizo la prueba, haga clic en el enlace en las próximas 24 horas. Siga los pasos alertar anónimamente a quienes tal vez hayan sido expuestos.

https://us-wa.en.expressly/v?c=dvo8iije3v33saoj

¿NO es quien se hizo la prueba? ¿Desea más información? Visite notificawa.org/texto.

ሓበሬታ ናይ ተኽእሎ ምቅላዕ ናብ ኮቪድ-19

ምስሊ ናይ ጽሑፍ መልእክትን ሓበሬታን

exposure notification screenshot

ትሕዝቶ ሓበሬታን ናይ መልእኽቲ ጽሑፍን

ናብ COVID-19 ተቓሊዕኩም ጸኒሕኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ጥቓ ሓደ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ COVID-19 ዘመዝገበ ኔርኩም። ቀጺልኩም ትገብርዎ ኣገዳሲ እዩ ከምኡ`ውን ክንሕግዘኩም ኢና። ዝያዳ ንኽትምሃሩ ጠውቑ።

 

ተጠቀምቲ WA Notify ነቲ ኣብቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ዘሎ መላግቦ ክጥውቑ ወይ ድማ ነቲ መንነትካ ሓቢእካ መሐበሪ ሓበሬታ ክጥውቑ ኣለዎም መታን ንኻልኦት ብዛዕባ ተኽእሎ ቃልዕ ናብ ኮቪድ-19 ከጠንቅቑ። እዚ መንነትኩም ከይሓበረ ንካልኦት ተጠቀምቲ WA Notify የጠንቅቕ ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ኮቪድ-19 ተቓሊዖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ብምሕባር። ንተጠቀምቲ WA Notify መንነቶም ብዘይ ምግላጽ ነቲ ውጽኢት ክሰማምዑ ምግባር ቀልጢፍካ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ። ህዝባዊ ጥዕና ጌና እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ መርመራ እንከሎ፡ ናይ መረጋገጺ መላገቢ ወይ ኮድ ብምልኣኽ ርክብ ክገብር ይኽእል ኢዩ።

ብኽብረትኩም ንሓኪምኩም ወይ ከኣ ንኣቕራቢ መርመራኹም ተወከሱ እንድሕር፡

  • ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ’ውን/ወይ ሓበሬታ ተቐቢልኩም፡ ግን እቲ ወግዓዊ ውጽኢት መርመራ እንድሕር ዘይተቐበልኩም፡ ወይ
  • ሕቶታት ኣለኩም ብዛዕባ ናይ መርመራኹም ውጽኢት

ሓባራዊ ሕቶታት

እንድሕር WA Notify ዘይፈልጥ ኮይኑ መን ሙዃነይ፡ ብኸመይ ደኣ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ’ውን/ወይ ሓበሬታ ይበጽሓኒ፧

እቶም ናይ ጽሑፍ መልእኽታትን ሓበሬታታትን ብ DOH ኢዮም ዝልኣኹ፡ ብ WA Notify ኣይኮኑን። DOH ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ’ውን/ወይ ሓበሬታ ይልእኽ ናብ ኩሉ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ዘመዝገበ ሰብ፡ ምኽንያቱ መን WA Notify ከምዝጥቀም ስለ ዘይንፈልጥ። እንድሕር WA Notify ዘይትጥቀም ኣለኻ ኮይንካ፡ ነዚ ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ሓበሬታን ኣይትገደሰሉ።

ብኸመይ Washington State Department of Health ይፈልጡ ናብ መን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ሓበሬታ ክሰዱ ከም ዘለዎም፧

ብሕጊ መሰረት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝርከብ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ግድን ክሕበር ኣለዎ ነቲ መንግስቲ ምስ ናይ መራኸቢ ሓበሬታ ተተሓሒዙ። ህዝባዊ ጥዕና ነዚ ሓበሬታ ይጥቀሙሉ ኣብ ምጽራይ ጉዳያትን ንዝተለኽፈ ሰብ ኣብ ምድላይን (እንግሊዝኛ ጥራይ) ንምስፍሕፋሕ ናይቲ ሕማም ንምግታእ። ንኩሉ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ዘመዝገበ ሰብ ምሕባር ንተጠቀምቲ WA Notify ቀልጢፎምን መንነቶም ከይተፈልጡን ንካልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ቃልዕ ንከጠንቅቑ የኽእሎም።

WA Notify ኣይጥቀምን ኢየ። ስለምንታይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ልኢኽኩምለይ፧

DOH ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ’ውን/ወይ ብላዕሊ ዝመጽእ (ፖፕ ኣፕ ዝገብር) ሓበሬታ ይልእኽ ናብ ቁጽርታት ቴሌፎን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕላ በቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19።

DOH መን ኣወንታዊ ውጽኢት ከም ዘመዝገበ ጥራይ ኢና ንፈልጥ፡ መን WA Notify ከም ዝጥቀም ኣይንፈልጥን ኢና። ናብ ኩሉ ሰብ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብምስዳድ፡ መንነትና ከይተፈለጥና ንተጠቀምቲ WA Notify ንካልኦት ሰባት ካብ ምቅላዕ ንኸነጠንቅቕ ከምኡ’ውን ህይወታት ኣብ ምድሓን ክንሕግዝ ንኽእል ኢና።

እንድሕር WA Notify ትጥቀም ኣለኻ፡ ዝኾነ ነገር ምግባር ኣየድልየካን ኢዩ። እንድሕር ዝያዳ ክትመሃር ደሊኻ ብዛዕባ WA Notify፡ ናብ ተሌፎንካ ብኸመይ ከምትጽዕኖ እውን ዘጠቓልል፡ ብጻሕ ናብ WANotify.org

ካብ ኣየናይ ቁጽሪ ቴሌፎን ኢዩ እቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ዝመጽእ፧

እታ DOH ዝልእኩላ ቁጽሪ 1-844-986-3040 ኢያ።

ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ’ውን/ወይ ሓበሬታ በጺሕኒ ግን እቲ ዝተመርመረ ሰብ ቤተ-ሰብ ወይ ኣባል ስድራ-ቤት ኢዩ ኔሩ። እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ዘመዝገቡ ተጠቀምቲ WA Notify ነቶም ስጉምታት ናይ መንነትካ ከይተፈልጠ ንተቓሊዖም ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ምጥንቃቕ ክኽተሉ ኣለዎም፡ ስለዚ ዝኾነ ናባኹም ዘይኮነ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ሓበሬታ ክትግደስሉ የብልኩምን።

እንድሕር ቤተ-ሰብካ ወይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ተጠቃሚ WA Notify ኮይኑ፡ ኣወንታዊ ውጽኢት ድማ እንተኣመዝጊቡ ከምኡ’ውን ጌና ነቲ ውጽኢት ከረጋግጽ የድልዮ ኢዩ ኣብ WA Notify፡ ክድውል ይኽእል ኢዩ ናብ ህጹጽ መስመር ኮቪድ-19 ዝኾነ 1-800-525-0127፡ ብድሕሪኡ ድማ ጠውቕ # ከምኡ’ውን ነቶም ናይ WA Notify መምርሒታት ተኸተሎም። ደዊልካ ምስ ተቐበሉኻ፡ ሕተቶም ንናይ WA Notify መረጋገጺ መላገቢ (ሊንክ)።

ክንደይ ግዜ ኣለኒ ክጥውቕ ኣብታ ሓበሬታ ወይ ከበራብሮ ነቲ ናይ መረጋገጺ መላገቢ (ሊንክ)፧

ድሕሪ ሓበሬታ ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምቕባልካ፡ 24 ሰዓታት ኣለካ ነቶም ንካልኦት ሰባት ንምሕባር ክትክተሎም ዘለካ ስጉምታት ኣብ WA Notify ንምውሳድ። እንድሕር ነቲ ሓበሬታ ወይ ነቲ ናይ መረጋገጺ መላገቢ (ሊንክ)ክትጥውቖ ዘይከኣልካ፡ ብኽብረትካ ደውል ናብ ህጹጽ መስመር ኮቪድ-19 ዝኾነ 1-800-525-0127፡ ብድሕሪኡ ድማ ጠውቕ # ከምኡ’ውን ነቶም ናይ WA Notify መምርሒታት ተኸተሎም። ደዊልካ ምስ ተቐበሉኻ፡ ሕተቶም ንናይ WA Notify መረጋገጺ መላገቢ (ሊንክ)። ብተወሳኺ፡ ህዝባዊ ጥዕና ብዛዕባ ናትካ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ምስ ዝሓቱኻ፡ ናይ መራኸቢ መላገቢ (ሊንክ) ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ልዕሊ ሓደ ሰብ ነታ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ሓበሬታ ንምብርባር ነታ መላገቢ (ሊንክ) ክጥቀሙላ ይኽእሉ’ዶ ኣብ WA Notify፧

ኣይፋል። እንድሕር ቤተ-ሰብካ ወይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ተጠቃሚ WA Notify ኮይኑ፡ ኣወንታዊ ውጽኢት ድማ እንተኣመዝጊቡ ከምኡ’ውን ጌና ነቲ ውጽኢት ከረጋግጽ የድልዮ ኢዩ ኣብ WA Notify፡ ክድውል ይኽእል ኢዩ ናብ ህጹጽ መስመር ኮቪድ-19 ዝኾነ 1-800-525-0127፡ ብድሕሪኡ ድማ ጠውቕ # ከምኡ’ውን ነቶም ናይ WA Notify መምርሒታት ተኸተሎም። ደዊልካ ምስ ተቐበሉኻ፡ ሕተቶም ንናይ WA Notify መረጋገጺ መላገቢ (ሊንክ)። ብተወሳኺ፡ ህዝባዊ ጥዕና ብዛዕባ ናትካ ውጽኢት ምስ ዝሓቱኻ፡ ናይ መራኸቢ መላገቢ (ሊንክ) ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።